መግቢ ዝደልዩ አዛብእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኣብ ጎደናታት ጥንታዊት ከተማ ሃረር ኢትዮጵያ ይረአዩ፡ ንዝረኸብዎ ቁራጽ ስጋ ሒዞም ድማ ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝርከቡ በዓቲታት ይኸዱ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ጆን ጂንግ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት “ 50 ሚእታዊት ካብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት እታ ሃገር ግቡእ ዕብየት አየርእዩን ማለት ምድኽዳክ ይረአ፡ 39 ሚእታዊት ድማ ትሕቲ ግቡእ ሚዛን እዮም” ኢሎም።
ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሎቲ ሳሚ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ 1,400 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ፍልሰተኛታት ኣብ ወደባይት ከተማ ካታንያ ዝአተውሉ እዋን ቀንዲ ሕምረት ቀውሲ ስደተኛታት ኣውሮጳ ማእኸላይ ባሕሪ ዘይኮነ ሊብያ’ዩ ኢለን።
ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ነዞም ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 481 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ትማሊ ረቡዕ ናብ ወደባይት ከተማ ባዘሎ ምብጽሖም ይገልጽ። ካብቶም ስደተኛታት 45 ደቂ ኣንስትዮን 62 ድማ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምኳኖም ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ሊባኖስ ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝስርሓት ኢትዮጵያዊት ገነት እንግዳሰው ኩነታት ስርሓ ከምቲ ዝገመተቶ ብዘይምጽንሑ ናብ ሃገራ ክትምለስ ምውሳና ትገልጽ። ንሳ ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ ዕረፍቲ ትሰርሕ ከምዝነበረት፡ ኣስራሕታ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከምዘየፍቕዱላ ዝነበሩ ትገልጽ።
ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ሎሚ ዓርቢ ምስጓጎም ተሓቢሩ። መብዛሕትኦም ካብ ብኩናትን ግጭትን ብተደጋጋሚ ካብ ዝረአየለት ሃገራት ሱዳን፡ኤርትራን ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን “ዲሲቲ” ትማሊ ሰንበት 413 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኑ ገሊጹ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ሊብያ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ናይ ቁጠባን ናይ መገሻ እገዳ ክውስኽ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝኻየድ ምጥሓስ መሰላት ተሓተቲ እዮም ይብል።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ ሰነ 24,2017 ዓ.ም. 8,864 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብቑዓት ብዘይኮና ጀላቡ ተጻዒኖም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእኸላይ ባሕሪ ምቁራጾም ዝገልጽ ጸብጻብ ትማሊ ሰነ 27,2017 ዓ.ም ኣውጺኡ።
ኣስታት 400 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ተዓቑቦምሉ ዝነብረ ማእከል ስደተኛታት ጣልያን ናብ ዶባት ፈረንሳ ብምጉዓዝ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተገሊጹ።
ስዑድ ዓረብ ዝመራሒተን ምስ ቐጠር ዝምድና ዝበተኻ ሃገራት ዓረብ: እቲ ዝምድና ክምለስ እንተኾይኑ በዓል 13 ነጥብታት ቅድመ ኲነት ኣቕሪበን።
ተወሳኺ ጽዓን