ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ኮሎምቦ ንወደባይት ከተማ ካሊያስ ኣብ ዝበጽሕሉ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ተራኺቦም፡ምዝርራቦም ተገሊጹ።
ኣባላት ስድራቤት ንግስነት ስዑድ ዓረብን ካልኦት ስዑዳውያንን ነቲ ሓድሸ ወራሲ ዓራት ክኸውን ዝተመርጸ ኣሚር መሓመድ ቢን ሳልማን ትማሊ ሓሙስ ሰነ 22,2017 ዓ.ም ኣብ መካ ስዑድ ዓረብ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
ጸሓፊ ትካል ዓለምለኸ ልምዓት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጥምየትን ሕማም ንሞት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምክልኻል ዓለምለኸ ውሁድ ስጉምቲ የድልይ ክብላ ጸዊዐን።
ብመሰረት ሓበሬታ ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን አስታት 730 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ሰለስተ ብፕላስቲክ ዝተሰርሑ ጀልባታትን ኣርባዕተ ናይ ዕንጨይቲ ጀላቡ ትማሊ ሰንበት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ።