ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ነዞም ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 481 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ትማሊ ረቡዕ ናብ ወደባይት ከተማ ባዘሎ ምብጽሖም ይገልጽ። ካብቶም ስደተኛታት 45 ደቂ ኣንስትዮን 62 ድማ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምኳኖም ተገሊጹ’ሎ።
ቻይና አኻታዒ ዝኾነ ሓድሽ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ወሲዳ’ላ። ቻይና ንመጀመርያ ጊዜ ወታሃደራዊ መደብር ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምምስራት መራኽባ ናብ ወደብ ጅቡቲ ትማሊ ተበጊሰን ኣለዋ።
እዚ ስምምዕ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ምስ ናይ ቐጠር መዘነኦም ሸኽ መሓመድ ታኒ ኣብ ዶሃ ሎሚ ሶሉስ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም ምክያዱ ተገሊጹ።
ኣንጎላ ታሪኻዊ ዝኾነ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ንምኽያድ ትዳለው አላ፡ እዚ ማለት ፕረዝደንት ጆስ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ድሕሪ 38 ዓመታት ካብ መዝነቶም ክወርዱ እዮም ማለት’ዩ። እንተኾነ ብዙሓት ትኹረቶም ኣብ ምርጫ ዘይኮነ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ሃብቲ’ታ ሃገር ዝኾነ ነዳዲ እዩ። እዚ ቀንዲ ምንጪ እታ ሃገር ዝኾነ ብሶናጎል ዝፍጠት ነዳዲ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓድሽ መሪሕነት ክትዕወት ወይ ከይትዕወት መምዘኒ’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው።
ኣብ ሊባኖስ ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝስርሓት ኢትዮጵያዊት ገነት እንግዳሰው ኩነታት ስርሓ ከምቲ ዝገመተቶ ብዘይምጽንሑ ናብ ሃገራ ክትምለስ ምውሳና ትገልጽ። ንሳ ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ ዕረፍቲ ትሰርሕ ከምዝነበረት፡ ኣስራሕታ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከምዘየፍቕዱላ ዝነበሩ ትገልጽ።
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርቲ ስነ ፍልጠትን ባህልን ትካል ማለት ዩነስኮ፥ ከተማ ኣስመራ ትርከበን ሰለስተ ቦታታት ኣፍሪቃ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ጥንታዊ ስነ ቅርጻ ውርሻታት ዓለም ኣስፊርወን።
ኣብ ዒራቕ ምስ ምሕራር ዝበዝሐ ክፋል ከባቢታት ከተማ ሞሱል ካብ ቁጽጽር ዳዕሽ - ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ጽምብል ዓወት ምድምሳስ ዳዕሽ ምጅማሮም ተሓቢሩ።
ኮሚተ ዓለምለኸ ውርሻ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰለስተ ሃገራት ኤርትራ ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርዝር ውርሻ ዓለም ኣእትዩ ኣሎ። ኤርትራን ኣንጎላን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቲ ዝርዝር ምእታወን’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ 2000 ሜትሮ ብራኸ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ትርከብ ዋና ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ: ኣብ 1890 ዓ.ም ድሕሪ ምትእትታው መግዛእቲ ጣልያን ናብቲ ቦታ ክትምዕብል ዝጀመረት ኮይና: ዝበዝሑ ህንጻታት ድማ ድሕሪ 1935 ዓ.ም ዝተሃንጹ እዮም።
ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ሎሚ ዓርቢ ምስጓጎም ተሓቢሩ። መብዛሕትኦም ካብ ብኩናትን ግጭትን ብተደጋጋሚ ካብ ዝረአየለት ሃገራት ሱዳን፡ኤርትራን ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ደቡብ ኣፍሪቃ ብገበን ምጽናት ዘርኢ ንዝተከሰሱ ፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ግዝኣታ ኸለው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብዘይምእታዋ ግቡኣ ኣይፈጸመትን ይብል ።
አቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት ኣሜሪካ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ ኣንጻር ጥሩፍነት ዝነጥፍ ጉጅለ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ደው ምባላ ኣብታ ኣህጉር ዝረአ ግብረሽበራ ንምቅላስ ዝኣተወቶ መብጽዓ ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ ኢሎም።
ኣሜሪካ፡ መንገዲ ኣየር ቱርኪን ኢማራትን ናብ ሃገራ ንዘካየድዎ በረራ ላፕቶፕ ኮምፑተርን ካልእ ኤሌክትሮኒክስ ከየእትዋ ዘሕለፈቶ እገዳ ምልዓላ ገሊጻ። ኣሜሪካ ነዚ እገዳ ዘልዓለት እተን መንገዲ ኣየር ሓድሽ መስርሕ ፍተሻ ጸጥታ ብምትእትታወን ምኳኑ እተን መንገዲ ኣየር ሓቢረን።
መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን “ዲሲቲ” ትማሊ ሰንበት 413 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኑ ገሊጹ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ሊብያ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ናይ ቁጠባን ናይ መገሻ እገዳ ክውስኽ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝኻየድ ምጥሓስ መሰላት ተሓተቲ እዮም ይብል።
ጣልያን ወደባታ ንመራኽብ ህይወት አድሕን ከምትዓጽው ኣብ ዘፍለጠትሉ ጽባሕ 1,200 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ወደብ ሳሌርኖ ምእታዎም ተሓቢሩ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣማኸርትን ሓላፊ ሕሳብ ቫቲካን ዝኾኑ ኣቡን ጆርጅ ፐል: ፖሊስ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊኦም ድሕሪ ዝመስረቶ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ስርሖም ዕረፍቲ ወሲዶም ነቲ ክሲ ከምዘይወዓልዎ ክምጉቱ ናብ ኣውስትራልያ ከምርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ሰበ ስልጣን ጣልያን መንግስቶም ዋንነቶም ናይ ጣልያን ዘይኾና ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንምድሓን ናብ ወደባቱ ዝመጻ መራኽብ ደው ከብል ምኳኑ ትማሊ ኣብ ብራስለስ ንዝተጋብኣ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ንዝተራእየ ጥምየት ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘጋጠመ ግጭት ነቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመተ 2030 ጥምየት ኣይክሕልውን ኢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጻዕርታት የተዓናቕፍ ከምዘሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓቢሩ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ ሰነ 24,2017 ዓ.ም. 8,864 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብቑዓት ብዘይኮና ጀላቡ ተጻዒኖም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእኸላይ ባሕሪ ምቁራጾም ዝገልጽ ጸብጻብ ትማሊ ሰነ 27,2017 ዓ.ም ኣውጺኡ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንገለ ክፋል ናይቲ ዝተመሓየሸ ናይ መገሻ እገዳ ፕረዝደንት ትራምፕ ክሳብ ወርሒ ጥቕምቲ ዳግማይ ዝረአ ፍቃድ ምሃቡ ተገሊጹ። ናይ ፕረዝደንት ትራምፕ እገዳ መገሻ ካብ ሃገራት ኢራን፡ሊብያ፡ሶማል፡ሱዳን፡ሶርያን የመንን ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ገያሾ ን90 መዓልታት ቪዛ ዝኽልክል ኽከውን ከሎ ንናይ ኣሜሪካ ፕሮግራም ስደተኛታት ድማ ን120 መዓልታት ደው ክብል ዝእዝዝ እዩ። ነዚ ዝበዝሓ ካብ ህዝበን ኣመንቲ እስልምና ዝኮና ሃገራት ዜጋታተን ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ዝኽልክል ውሳኔ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ወጸ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲታት ክፍለ ግዝኣታት ሃዋይን ሜሪላንድን ምሉእ ንምሉእ ደው ክብል ምእዛዞም ይዝኸር።
ተወሳኺ ጽዓን