ስዑድ ዓረብ ዝመራሒተን ምስ ቐጠር ዝምድና ዝበተኻ ሃገራት ዓረብ: እቲ ዝምድና ክምለስ እንተኾይኑ በዓል 13 ነጥብታት ቅድመ ኲነት ኣቕሪበን።
ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ኮሎምቦ ንወደባይት ከተማ ካሊያስ ኣብ ዝበጽሕሉ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ተራኺቦም፡ምዝርራቦም ተገሊጹ።
ኣባላት ስድራቤት ንግስነት ስዑድ ዓረብን ካልኦት ስዑዳውያንን ነቲ ሓድሸ ወራሲ ዓራት ክኸውን ዝተመርጸ ኣሚር መሓመድ ቢን ሳልማን ትማሊ ሓሙስ ሰነ 22,2017 ዓ.ም ኣብ መካ ስዑድ ዓረብ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ሎሚ ሰነ 20,2016 ዓ.ም ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ይውዕል። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 65 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኣለው፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ስደተኛታት እዮም።
ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ሎሚ ሰነ 20,2016 ዓ.ም ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ይውዕል። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 65 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኣለው፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ስደተኛታት እዮም። ስደተኛታት ብብዝሒ ካብ ዝመጹለን ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ኣፍጋኒስታንን ሶርያን እየን።
አል ሸባብ ኣብ ክልተ ኣብያተ መግቢ ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ምሟቶም ሰበ ስልጣን ሶማል ገሊጾም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዝኻየድ ዘሎ ሃገራዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቂ ፈተና ንከይስረቅ ብዝብል ስግኣት ኣገልግሎት ኢንተርነት እታ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ምዕጻዋ ተገሊጹ። መልቐቂ ፈተና 10ይ ክፍሊ ካብ ግንቦት 31 ክሳብ ሰነ 2 ዝኻየድ ኽከውን ከሎ ናይ 12 ክፍሊ ፈተነ ድማ ካብ ሰነ 5 ክሳብ ሰነ 8,2017 ዓ.ም. ክኻየድ’ዩ።
ሃገረ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ በበይኑ እዋን ብትኽተሎ መርገጺ ክትንቐፍ ዝጸንሓት ሃገር’ያ።
ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንደ ብተወሳኺ እዚ ቦታታት ኩነታት መነባብርኡ ዝተመሓየሸ መዕቖቢ ማእከል ክኸውን ከምዝግባእ ገሊጾም። ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ድማ ናብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግጭት ክምለሱ ክግደዱ የብሎምን ኢሎም።
ትማሊ ሓሙስ 18 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብህይወት ኣድሕን ስርሒታት ኤስኦኤስ ሜዲተራንያንንን ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ 2,300 ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ምድሓኖም ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ 22 ነአሽቱ ብቑዓት ዘይኾኑ ጀላቡ ተጻዒኖም ከምዝነበሩ እተን ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዳ ትካላት የረድኡ።
ደራስን በዓል ታሪኽን ፊልም “እውር ኣሞራ ቀላቢ” ዘካርያስ ጥበበ ይበሃል። ንሱ ነዚ ፊልም ኣብ ዘዳለወሉ እዋን ከም ዋና ተዋሳአይ ኮይኑ ናብቲ ብመከራ ዝሓለፈሉ ቦታ ተመሊሱ’ዩ ነዚ ፊልም ዝሰነደ መንእሰይ’ዩ።
ሓደ ኣባል ፍሉያት ሓይልታት ኣሜሪካ ዝኾነ ኣሜሪካዊ ወታሃደር ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ተቐቲሉ።
ዘካርያስ ጥበበ ይበሃል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዓለም ገጢሞምዋ ካብ ዘለው ዓበይቲ ቀውሲ ዝኾነ ስደት ብዝምልከት “ እውር አሞራ ቀላቢ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስደት ታሪክ ተመርኩሱ ፊልም ብምስራሕ ንምርኢት ኣቕሪቡ’ሎ።
ኣብ ቀረባ ጊዜ “ እውር አሞራ ቀላቢ” ዘርእስቱ ፊልም ኣብ ሲነማታት ካናዳ ንምርኢት ቀሪቡ ኔሩ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝኻየድ ፌስቲቫል ፊልም ኣፍሪቃ ድማ እዚ ፊልም ዋና አካል’ቲ ፌስቲቫል ኮይኑ ኽቐርብ’ዩ። እቲ ፊልም ኣብ ናይ ውልቂ ታሪክ ደራሲ ተመርኹሱ ዝተሰርሓ ኮይኑ ብዛዕባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዝረአ ሓደገኛን አሰቃቂን ጉዕዞ ስደት ምድረበዳ ሰሃራን ሲናይ ዝትርኽ’ዩ።
ምትእኽኻብ ኤርትራዊያን ሰብ ሞያን ዋኒን (Eri-Pen) ምትእኽኻብ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ሰብሞያን ዋኒን ኮይኑ ኣብ ማህበራዊን ሞያዊን ጉዳያት ብዝምልከት ንምዝታይን ምልውዋጥ ተመክሮን ዝኻየደሉ መድረኽ’ዩ።
ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ ደቡብ ሱዳን ብዝጋፋሕ ዘሎ ጎነጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎረቤት ኡጋንዳ ይስደዱ ኣለው ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ።
ተወሳኺ ጽዓን