ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ሰሙናት ክልተ ጋዜጠኛታትን ክልተ ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነትን ምእሳሮም ገሊጹ’ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ደርቅን ኮሌራን ንመነባብሮ ዜጋታት ጸገም ይፈጥር ኣሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 35 ሰባት ሞይቶም ክብል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መሓውራት ዜና ናይ ቁጽጽር ኢዱ ኣብ ዘኽበደሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝአሰሮም ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት (ሲፒጄይ) ሎሚ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣብ ልዕልና ሕግን አተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላትን ምምሕያሽ ክህሉ ከምዘድልይ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝተመያየጡ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ስቴፋን ዲዮን ኣፍሊጦም።
ቀጻሊን ሓደ ሓደ ጊዜን’ውን ህውከት ሓዘልን ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ'ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ህዝቢ ኦሮሞ ንዝያዳ ፖለቲካዊ ነጻነትን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ዘለዎ ጠለባት ምላሽ ንምርኻብ ክሳብ ክንደይ’ዩ ምድላዋት ኣሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝለዓል ዘሎ ሕቶ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ አዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝእወጅ አስታት ሓደ ወርሒ ኣቑጺሩ’ሎ።እዚ አዋጅ ካብ ዝወጽእ ንደሓር ሰባት በብቦትኡ እንዳተለቐሙ ይእሰሩ ኣለው ኽብሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታትን ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላትን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ካብቲ ካብ መጀመርያ ውጥረት ዝበጽሖ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ኽካየድ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተረፎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓድሽ አዋጣጢ ጉዳይ ገጢምዎ’ሎ።
አማኻሪ ፕረዝደንት ኤርትራ አቶ የማነ ገብረአብ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ መርማሪ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ዘውጽኦ ጸብጻብ አውጊዞም።
ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ብዝተፈረመ ስምምዕ ከምዝተመስረተ ተገሊጹ።
መንግስታት ንጥርዓን ቁጽሪ ኣልቦ ግዳያት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኤርትራ ንፍትሕን ተሓታትነትን ክሰምዓ ኣለወን ክብላ ኣባል እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘዘ ኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝነበራ ሸይላ ኪቲሩት ፀዊዐን።
ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተአኻኸቡ ኤርትራዊያን ሎሚ ኣብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኔውዮርክ ሰልፊ ኣካይዶም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ሕጂ እውን ህውከት ቀፂሉ፤ሞትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምእሳር ካልኦት ብኣሽሓት ዝቁፀሩን መጉዳእትን ዝለዓለ ዕንወት ንብረትን ይወርድ ኣብዘለሉ ኩነታት ዜጋታት ኣድላይ ክሳብ ዘይኮነ ናብ ኢትዮጵያ ከይኸዱ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘተኾረ ኣኼባ ተኻይዱ ኔሩ።
ፕረዝደንታዊ ሕጹያት ኣሜሪካ ናይ ሳልሳይ መወዳእታን ኽትዕ ትማሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኔቫዳ ላስ ቬጋስ ኣካይዶም።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብዝካየድ ዘሎ ምንቅስቃስ ሃገሮም ንዝኾነ ይኹን ተቃዋሚ ደጊፋ ከምዘይትፈልጥ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ዓንደልፋታህ አልሲሲ አፍሊጦም።
ኣብ የመንን ጅቡቲን ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ ክብል ዓለምለኸ ትካል ፍልሰት ኣጠንቂቁ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝተጋፈሐ ህዝቢ ባዶ መብጽዓ መንግስቲ ዘይኾነስ ናይ ሓቂ ለውጢ ክርእይ ስለዝደልይ’ዩ ክብሉ መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ኢትዮጵያ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ገሊጾም።
ሕብረት ኣውሮጳን ንዓለምለኸ ማህበረሰባትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።
ናይ ጀርመን ቻንስለር አንገላ መርከል ኣብቲ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘኻየድኦ ዑደት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፓርቲታት ምርኻበን ተገሊጹ።
ኣሜሪካ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምላሽ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዘጋጠመ ህውከት 8 ጥቅምቲ 2016 ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጃ ኣቅሊባትሉ ኣላ ክብሉ ወሃቢ ቃል ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ከርቢ ገሊጾም።
ተወሳኺ ጽዓን