ኢትዮጵያ ኩሉ ዝሓቖፈ ምይይጥን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ክህሉን ዝተፈላለዩ ድምፅታት ንኽስምዑ ንምግባር ክትሰርሕ ኣለዋ ክብላ ናይ ጀርመን መራሒት ቻንስለር ኣንጌላ መርኸል ተዛሪበን።
ካልኣይ ዙር ክትዕ ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ትማሊ ኣብ ከተማ ሴንት ሉዊስ ተኻይዱ።
ሓደ ቤት ፍርዲ ካናዳ ገለ ኤርትራዊያን ኣብ ኩባንያ ዕደና ቢሻ ተገዲዶም ብምስርሖም ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ንዝመስረትዎ ክሲ ኣብ ብሪትሽ ኮሎምብያ ክረአ ይኽእል’ዩ ክብል ወሲኑ እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ጉዳይ ከም ሓደ ብጥሙር ዝረአ ኣይኾነን ክብል ምውሳኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ህውከትን ተቃውሞ ንትካላት ንግድን ወፍሪን ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዎ ይግለጽ’ሎ።
ኣብ ቢሸፍቱ ዝኻየድ ዝነበረ ኣከባብራ በዓል ኢረቻ ሓያለ ሰባት ድሕሪ ምማቶም ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘለዋ ከተማታት ኦሮሚያን ኣብታ ርእሰ ከተማ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታትን ካብ ሰኑይ ምሸት ጀሚሩ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ተኻይዱ ክብል ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ ስደተኛታት ንዘተአናግዳ ሃገራት ብቀጥታ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምሃብን ንሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ካልኦት ትካላት ንስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝሕግዝሉ ነባሪ ቁጠባዊ ረብሓ ዝረኽባሉ ተወሳኺ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ።
ኣብ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መንግስቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ወ/ሮ አስቴር ማሞን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ሙኽታር ኸድር ካብ ሓላፍነቶም ተአልዮም።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሓገዝቲ ሃገራት ዘሳትፍ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓለም ጉባዔ መራሕቲ ዓለም የካይዱ’ለው።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦማባ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሶሉስ ንመወዳእታ ጊዜ መደረ አስሚዖም።
ሓይልታት ፀጥታ ስነ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይትኩሱን ይቐትሉን ኣለው ክብሉ ተቓወምቲ ገሊፆም።ተሓተቲ እውን መራሕቲ ፖለቲካ እዮም ክብሉ ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ናይቶም ቅድሚ 15 ዓመታት ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ነጻ ጋዜጠኛታትን ብህጹጽ ሓበሬታ ክህብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይቲ ራፖርተር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪትሩት ጸዊዐን።
እቲ ኤርትራ ሸለል ዝተባህለት ዞባዊ ስግኣት ብዝብል አርእስቲ ዝተኻየደ ቃለ-ምስክርነት ሐጋዚት ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ንጉዳያት አፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ሓዊሱ 2 ንመንግስቲ ኤርትራ ብምግሃሳት ሰብአዊ መሰላት ዝኸሰሱ ኤርትራዊያንን ካብ ዘይመንግስታዊ ትካል አሜሪካ አትላንቲክ ካውንስል ምኽትል ዳይሬክተርን ቃሎም ሂቦም’ለው። ካብ አባላት ኮንግረስ’ውን ንዝቀረበሎም ሕቶታት መሊሶም።
ኣሜሪካ ኮምሽን መርማሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ኤርትራ ንዘቕረቦ ጸብጻብ ንሪኢዮ ኣለና፤ኤርትራ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንኽተማሓይሽ ዝግበር ዓለምለኸ ጻዕሪ ምድጋፍና ክንቕጽል ኢና ክብሉ ምኽትል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርክ ቶነር ኣፍሊጦም።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስደተኛታት ብምስግጋር ገበን ንዝተጠርጠረ ኤርትራዊ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ካብ ሱዳን ተረኪበ’ለኹ ክብል ፖሊስ ኢጣልያ ንዝገለጾ ሰብ: ብልክዕ እቲ ዝድለ ሰብ ዘይምዃኑን: እቲ ቕዩድ ምስቲ ናይ ዝድለ ዘሎ ጥርጡር ስም ኣቦን ስም ኣቦ ሓጉኡን ዝተፈልየ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ’ለው።
ኣብዚ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ተኣሲሮም ንዘለው ጋዜጠኛታት ንምዝካር ሓደ ሲምፖዝየም ተኻየዱ ነይሩ።
እቲ ፈተና ዝተሰረዘሉ ምክንያት ኣብ ዓምድታት ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምዝርግሑ ምዃኑ ሚኒስተር ትምህርቲ’ታ ሃገር ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊጾም። እቲ ዝተሰርቐ ፈተና ናይ እንግሊዝ ትምህርቲ ፈተና ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ዝቕጽላ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ንመንእሰያት ኣፍሪቃ ዕድል ስራሕ ክፈጥር ዝኽእል ፕሮግራም ስልጠና ከምዘዳለዋ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዳ ዘለዋ ፕረዝደንት ደቡብ ኮርያ ባክንሄ ኣፍሊጠን።
ሎሚ ቅነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ቡልብላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ክፈረስ ዝተገብረ ኣባይቲ መብዛሕትኡ ብኣቋራጭ ክህብትሙ ብዝደልዩ ውሑዳት ሰብ ሃብቲ ዝተሰርሐ ምዃኑ ኣረጋጊጸ’ለኹ ክብል ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን