ብሓደጋ ውሕጅን ሓድሽ ብዘጋጠመ ደርቅን ኣብ 2017 ዓ.ም 5.6 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ናይ ህጹጽ ጊዜ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታት ከምዝተዘራረቡን ንቀጻሊ’ውን ንምዝርራብ መደብ ከምዘሎን ትማሊ ንጋዜጠኛታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ አፍሊጦም።
ተሰናባቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ንጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤማዊያንን ዘላቂ ፍታሕ’ዩ ዝበልዎ ራኢኦም ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሜሪካ ተመዊሎም ዝኻየዱ ዘለው ጸረ ኤችኣይቪ ፕሮጀክትታት ዝለዓለ ውጽኢት የምጽኡ ኣለው ክብሉ ኣብ ድሬዳዋ ዝርኸቡ ተጠቐምቲ ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብተግባር ህውከትን ዕግርግርን ተጠርጢሮም ዝተታሕዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ዜጋታት ስልጠና ተሃድሶ ክወሃቦም’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኣፍሊጦም።
ጠበቓታት ኣብ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዝርኸቡ መራሒ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ትማሊ ከምዝረኸብዎምን ከምቲ ክውረ ዝቐነየ ዘይኾነ ዝኾነ ዓይነት ተግባር ስቅያት ከምዘይተፈጸሞን በተዛማዲ ነጻነት ከም ዘዘራረብዎምን ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ 1,870 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ፕሮጀክት ግልገል ጊቤ III ተመሪቑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናጽነት አገልግሎት ኢንተርነት ብምዕፋን ሰብኣዊ መሰላት ገዲቡ ዝፈጸሙ ምግሃሳት ናብ አደባባይ ከይወጹ’ውን ገዲቡ’ሎ ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝጸውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት /CPJ/ ቁፅሪ ኣብ ዙሪያ ዓለም ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታት ዝገለፀሉ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣውፂኡ።
ምስ መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና አብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፖሊስ ተታሒዞም ዝነበሩ ክልተ መንእሰያት ትማሊ አማስይኡ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ።
መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ማእሰርቲ ከምዘሻቕሎም ዝገለጹ ተቃወምቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፍታህ ከናድን ንዶ/ር መረራ ጉዲና ክፈትሕን ሓቲቶም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጎንደር ኹናት ይኻየድ’ሎ ክብል ኣርበኞች ግንቦት 7 ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ኢትዮጵያ ሰሊኾም ክኣትው ዝፈተኑ ሓይልታት ጥፍኣት ዝበሎም ዕጡቓት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረይ አውዒለዮም አለኹ ኢሉ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ን60 ጣቢያታት ቀረብ ማይ ብህፁፅ ከምዘድሊ ተገሊፁ። ብተቐባልነት ረድኤት መግቢ ቀዳምነት ኮይኖም ኣብ ዝተትሓዙ ወረዳታት ዘሎ ዝርግሐ መግቢ ዝለዓለ ምምሕያሽ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ’ሎ።ኣብ ዝቕፅላ ኣዋርሕ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ብፍርቂ ክንኪ ከምዝኽእል እውን ተገሊፁ’ሎ።
ሶማላዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለሱሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመንእሰያት ዘሎ ዝተሓተ ዕድል ስራሕ ኣልሸባብ ንክምልምሎም ምቹእ ባይታ ክፈጥር ይኽእል’ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ሶማል ስክፍትኦም ይገልጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተማሃሮ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ትማሊ ሰንበት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣኻይዶም።
ተወሳኺ ጽዓን