ማእከል መኸላኸሊ ሕማማት ኣፍሪቃ (CDC) ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ውጥን ሎሚ ገሊጹ። እዚ ትካል ኣብ 2013 ዓ.ም ዝተወጠነ ኮይኑ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ምስረትኡ ዘቐላጠፈ ትካል’ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ሽጋራ ምትኻክ ብሕጊ ክልኹል እንተኾነ ኣብ መዳይ ትግባረ’ቲ ሕጊ ግን ምምሕያሽ ተጌሩዩ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 13 መጋቢት,2017 ዓ.ም ካብ ፍልይቲ ራፖርተር ንአተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ሺላ ኪትሩት ጸብጻብ ሰሚዑ። መንግስቲ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂቡሉ’ሎ። ዝተፈላለየ ሃገራትን ጉጅለታት ተሓለቅቲ መሰላትን ርእይቶአን ሂበናሉ’ለዋ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አዲስ አበባ “ቆሼ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ዝተአኸበ ጉሓፍ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 113 ምብጽሑን ምንዳይ ሬሳ ቀጺሉ ከምዘሎን ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንዝተሓለነሉ ዕላማ ምውዓሉን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ትኹረት ክግበረሉ ዝሓተተ ብኣባላት ኮንግረስ ንዝቀረበ ረቂቅ ውሳኔ 128 ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ቃለ ምስክርነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሰሚዑ ኔሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አዲስ አበባ ዝተኾመረ ጎሓፍ ተደርሚሱ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 62 ሰባት ከምዝሞቱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዶባት ወረዳታት ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ብዕጡቓት ዝፍጸም መጥቓዕትታት ደው ንምባል መንግስታት ክልቲአን ክልላት ብሓባር ይሰርሑ’ለው፡ፈደራል መንግስቲ’ውን ብቀረባ ይደጋገፍ ኣሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።
ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኮሚቴ ተሓላቂ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣብ መላእ ዓለም ተአሲሮም ካብ ዘለው ጋዜጠኛታት እቶም 16 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአሰሩ ከምዝኾነ ገሊጹ ፡ እቶም እሱራት ዝግብኦም መሰል ተኸልኺሎም’ለው ኢሉ’ሎ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝነበሮ ስሩዕ ኣኼብኡ ሰማያዊ ፓርቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣካይድዎ ንዝነበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተቐቢሉ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ።
ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርቲታት ንዘኻየድዎ ልዝብ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሸውዓተ አባላት ዘለዎ ኮሚቴ ኣብ ዘዳልዎ ሓባራዊ መበገሲ ሓሳብ ንምዝርራብ ቆጸራ ሒዞም ተፈላልዮም።
አባላት ፓርላማ ሶማል መጻኢ ፕረዝደት እታ ሃገር ንምምራጽ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ ፎርማጆ ብዝብል ሳጓ ኣፍለጡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ዝበዝሓ ድምጺ ብምርኻብ ፕረዝደንታ እታ ሃገር ኮይኖም መሪጾሞም ኣለው።
ኣብ ሶማል ቕድሚ’ቲ ረቡዕ ዝኻየድ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ብልሽውና ገኒኑ ይረኣይ ኣሎ።ሕጹያት መንበሮም ከይምንጠሉ ንአባላት ባይቶ ገንዘብን ህያባትን የበርኽቱ’ለው።
ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ሓድሽ ደርቂ ንምምካት ዘቕረበቶ መጸዋዕታ ረድኤት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ህጹጽ ምላሽ ክህብን ደገፉ ክገልጽን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ ናይ ሓገዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኩለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ውድብ ዝህብኦ ክፍሊት ንምፍፃም ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኢረስተስ ሙዌንቻ ገሊፆም።
ተወሳኺ ጽዓን