ኹናት ሓድሕድ፡ሕማም ኮለራን ጽንኩር ጥምየትን ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ይገብር’ሎ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝተቋረጸ ረብሓ ተማሃሮ ንምሕላው እዩ ክብሉ ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጦም።ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝተኸሰተ ደርቂ እውን መንግስቲ ክፃወሮ ከምዝኽኣለ ገሊፆም።
አብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደርቂ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝፍለጥ ድሕሪ’ቲ ሎሚ ቅነ ዝጅመር ገምጋም ምኳኑ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት አተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት አፍሊጡ።
እቶም 27 ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ኤርትራ ሲሚንቶ ጽዒና ትጉዓዝ ዘላ ብምምሳል ናብ ሱዳን ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ኣብ ጎንደር ምትሓዛ ተገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ገዛኢ ፓርትን ተቓወምቲ ፓርትታትን ንልዝብ ዝቐረቡ ዛዕባታት ዘዋድድ ኮሚቴ አሰናዳኢ አጀንዳ ፡ ሚድያን ኮሚኒኬሽንንን ሎሚ ስርሑ ከምዝጀመረ ተገሊጹ።
ዓለምለኸ ጉባኤ ሓይሊ ማይ ኣፍሪቃ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣብ አዲስ አበባ የካይድ’ሎ። ኣብዚ ኣኼባ ንዝተሓላለኸ ጸገማት ማይ፡ ጸዓት ድኽነትን ለውጢ ክሊማን ዝአመሰሉ መፍትሒ ብሓይሊ ማይ ዝሰርሕ ጸዓት ወይ ሃይድሮፓወር ክከውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ።
ሕብረት ኣውሮጳ ንምቅጻል ዝድግፉ ፈረንሳውያን፡ ማእኸላይ መርገጺ ንዘለዎ ኢማኑኤል ማክሮ ሓድሽ ፕረዝደንት’ታ ሃገር ክኸውን መሪጾምዎ። መወዳደርቱ ዝነበረት ጸረ ሕብረት ኣውሮጳን ጸረ ስደተኛታትን መርገጺ ዘለዋ ማሪን ለፒን ስዕረታ ተቐቢላ`ላ።
ናይ ናይጀርያ ፕረዝደንት መሓመዱ ቡሃሪ ምስተን ብዕጡቓት ጉጅለ ግብረ ሽበራ ቦኮ ሓራም ተጨውየን ዝነበራ 82 ኣዋልድ ቺቦክ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።
ናይ ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኾነ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ስግግር ስለዘሎ ጉድለታት አለዎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ አፍሊጦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ተአሲሩ ዝርኸብ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ኣብ ኦስትርያ ቬና ዝመደበሩ ዓለምለኸ ኢንስትዩት ፕረስ “ናይ ዓለም ጅግና ነጻነት ፕረስ” ተባሂሉ ተረቑሑ።
ቁጠባ ዓለም ብዝሓሸ ዕብየት ክቕጽል’ዩ ክብል ትካል ገንዘብ ዓለም ትንበይኡ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻቡ ካብ ሰነ 2,2008 ዓ.ም መወዳእታ ክሳብ መስከረም 2009 ዓ.ም ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተፈጢሮም ዝበሎም ህውከትን ዕርግርግን ብዝምልከት 669 ሰባት ሞይቶም 1018 ኸአ ዝተፈላለየ ጉድአት አካላት በጺሕዎም ብብዙሕ ሽሕ ዝቁጸሩ ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ክብል ገሊጹ።
ሕብረት ኣውሮጳን ኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳያት ምምሕዳር ህዝብን ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ሜላዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ተቓወምትን ትካላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ከምዝተመያየጡ ተገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፍጽሙ ዘለው ናይ ሱዳን ፕረዝደንት ዑመር ሓሰን አልበሽር ንኤርትራ ሓዊሱ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ማህበረሰብ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ክሰርሓ አለዎም ኢሎም።
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ሓደ ደሕንነትን ጸጥታን ናይቲ ካልእ’ውን ምዃኑን ዘይነፃጸል ረብሓ ከምዘለወን ገሊጾም።
መንግስቲ ኣሜሪካ ብልዕሊ 150 ሚሊዮን ብር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘስርሖ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ ሎሚ ብወግዒ ተመሪቑ ንትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ተረኪቡ።
ተወሳኺ ጽዓን