ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብሰንኪ ሕፅረት መግብን መፅለልን ንዝተዓቁ፟ቡሎም ሓደ ሓደ መዓስከራት ሓዲጎም ይወፁ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሰዓት ናብ መንበሪኦም ንምምላስ ዝሓሸ ኣማራፂ ንምዃኑ ዝተረጋገፀ ነገር የለን ክብል የጠንቅ፟ቕ። ከምኡ'ውን ንተወሳኺ ዓለምለኸ ሓገዝ ፃውዒት የቕርብ።
ስደተኛታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሑዎም ከምዘለው ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ኣዲሰ ኣበባ ዝኣተው ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ስለ ዘይረኽቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለው እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ኣሎ፡፡
ብምኽንያት ትማሊ ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ዝርከቡ ወዲ ዓመት ወዲ-78 ኣቦ ዕለታዊ ህይወቶም ከምዚ ይመስል።
20 ሰነ ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ መቐለ ብምትሕብባር ትካል ኤልሻዳይ’ዩ ተሰናዲኡ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት’ውን ተሳቲፎም ነይሮም።
20 ሰነ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ምክንያት ብምግባር ኲነታት ኣብ ዳባት ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምድህሳስ ገለ ካብኣቶም ኣዘራሪብና ኣለና።
ተወሳኺ ጽዓን