ንሰለስተ ሰሙን ተቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሶማል ሶኑይ 17 ሓምለ,2017 ዳግማይ ጀሚሩ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ማያት ዝሓልፍ መሰመራት ኣገልግሎት ኢንተርነት ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝተቋረጸ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
አቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት ኣሜሪካ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ ኣንጻር ጥሩፍነት ዝነጥፍ ጉጅለ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ደው ምባላ ኣብታ ኣህጉር ዝረአ ግብረሽበራ ንምቅላስ ዝኣተወቶ መብጽዓ ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ ኢሎም።
ጣልያን ወደባታ ንመራኽብ ህይወት አድሕን ከምትዓጽው ኣብ ዘፍለጠትሉ ጽባሕ 1,200 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ወደብ ሳሌርኖ ምእታዎም ተሓቢሩ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣማኸርትን ሓላፊ ሕሳብ ቫቲካን ዝኾኑ ኣቡን ጆርጅ ፐል: ፖሊስ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊኦም ድሕሪ ዝመስረቶ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ስርሖም ዕረፍቲ ወሲዶም ነቲ ክሲ ከምዘይወዓልዎ ክምጉቱ ናብ ኣውስትራልያ ከምርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።