እቲ ዩኒቨርስቲ ሎሚ ረቡዕ 26 ሓምለ 2015 ዓመተ ምህረት ምቕባል ዝጀመሮም ተምሃሮ ኣብ 2013 ዓመተ ምህረት ክምረቑ ይግበኦም ዝነበሩ ተመሃሮ ምዃኖም ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ፋና ሓጎስ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፀን። ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ተመረቕቲ ተመሃሮ ንምቕባል ትልሚ ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጠን። ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ተመሃሮ ድማ፡ ይንዋሕ እምበር ሕጂ ናብ ትምህርቲ ምምላሶም ከም ዘሕጐሶም ገሊፆም።
ኣብ ወረዳታት ቆላ ተንቤን ላዕላይ ማይጨው ዘዘራረብናዮም ሓረስቶት ብዘይ ድኹዒ ግራቶም ይዘርኡ ከምዘለዉን በዚ ድማ ክንድ'ቲ ዝደልይዎ እቶት ከይረኽቡ ከምዝኽእሉ ስግኣቶም ሓቢሮም። ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ብወገኑ ኣብቲ ክልል ሕፅረት ድኹዒ(መዳበርያ) ከምዘሎ ብምሕባር ኣብዚ ሰሙን ግና ዩርያ ዝተባህለ ዓይነት ድኹዒ(መዳበርያ) ናብቲ ክልል ምእታው ምጅማሩ ሓቢሩ።
ኣቐዲማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መምህር ስነ-ጋዜጠኝነት ዝነበረት ወ/ሮ ብርሃን ወልደገብሪኤል፡ ድሕሪ ምቍራጽ ደሞዝ፡ ህይወታን ናብራ ስድራኣን ንምምራሕ ኣብ ጐደናታት መቐለ፡ እናዞረት፡ ኣስቤዛ ብምሻጥ ክትናበር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጎደናታት ኣስቤዛ ምሻጥ ጠጠው ኣቢላ ናብ ናይ ዩኒቨርስቲ ስርሓ ተመሊሳ ኣላ:: ጎና ጎኒ ድማ ንእሽተይ ዱዃን ከፊታ ናይ ንግዲ ስራሓታ'ውን ተሳልጥ ኣላ::
ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ተሰናቢቶም ናብ ስድርኦም ምምላስ ምጅማሮም ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ። ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 50 ሺሕ ተዋጋእቲ ዝነበሩ ከምዝተሰናበቱ ምክትል ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ`ሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓገዝ መግቢ ብምቁራጹ ልዕሊ 1- ሽሕ ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ኮምሽን ሓደጋ ስግኣት እቲ ክልል ሓቢሩ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ሓገዝ መግቢ ብምቁራፁ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናትን ኣረጋውያንን ይጉድኡ ብምህላዎም እቲ ሓገዝ ዳግም ክጅመር ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 25-ሽሕ በጻሕቲ ሃገር ካብ ወፃኢ ሃገራት ንታሪኻዊ ሓድግታት እታ ከተማ ይርእዩ ከምዝነበሩ፥ ሎሚ ግና ናብታ ከተማ ይመጹ ከምዘየለው ቤትፅሕፈት ቱሪዝም እታ ከተማ ይሕብር። ሚንስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብወገኑ ናይ ጉዕዞ ክልከላ ዝገበራ ሃገራት እገድአን ንከልዕላ ዘራረብከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት 10 ኤጲስቆጶሳት ንምሿም ዘካየድዎ ምርጫ ቀኖና ቤተክርስቲያን ዝጥሓሰ እዩ ብምባል ጉባኤ ቤትፅሕፈት ምምሕዳር መንበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ጉባኤ ንተወለድቲ እቲ ክልል መራሕቲ እቲ ሃይማኖት ሓድነትን ሰላምን እታ ቤተክርስቲያን ዘሐይል ኣስትምህሮ ክህቡ ድማ ፀዊዑ።
ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረእንዳስላሰ ኣብ መዕቖቢ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ክራማት ሓደጋ ብውሕጅ ይበፅሐና ኣሎ ክብሉ ገሊፆም። እዚ ፀገም ውሕጅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብዘይረኽብሉ እዋን ብምዃኑ እቲ ኩነታት ከቢድ ገይርዎ ኢሎም፥። ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ተመዛበልቲ መንግስቲ እኽሊ ካብ ዕዳጋ ብምዕዳግ ንምቕራብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቦም ነይሮም፥፥
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ትሽዓተ ኦጲስ ቆጶሳት ሸይማ: ሃገረ ስብከት ክልል ትግራይ ድማ 10 ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት 9 ሓምለ 2015 ሸይማ። ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ነቶም ኣብ ትሸዓተ ሃገረ-ስብከት ዝምደቡ ትሽዓተ ጳጳሳት ኣብ ዝሸሙሉ እዋን፡ “ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዘመድ ኣዝማድ፡ ብሄርን ወገንን፡ ቤተሰብን ሃብትን ገዲፎም ኣገልግሎቶም ብዘይ ኣድልዎ ክፍጽሙ" ተላብዮም።
ብፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣቡነ ማቲያስ ዝምራሕ ልኡኽ ቤተ ክርስትያን ሎሚ መቐለ ኣትዩ። ዑደት እዚ ጕጅለ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኲናት ትግራይ ንዘጋጠመ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታቱን ብወገን ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣወንታዊ ምላሽ ምስ ተነፍጎን’ዩ።
ተወሳኺ ጽዓን