ፕረ. ኬንያታ ፖለቲካዊ ኣኼባታት ንሓደ ወርሒ ንክግታእ ወሲኖም

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬኒያታ ኣብታ ሃገር እናተጋደደ ንዝኸይድ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምግታእ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፎም።ብፍላይ ንምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ሓደ ምኽኒያት ንዝብሃል ፖለቲካዊ ኣኼባታት ንሓደ ወርሒ ንክግታእ ከምዝወሰኑ ገሊፆም ኣለው።

ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ክትግበር ተወሲኑ ዘሎ ስዓት እቶ እቶ እውን ንዝቕፅል ሰለሰተ ወርሒ ከምዝተናውሐ ተገሊጹ'ሎ።