መቐለ —
" ፌደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምኳን ውዲት ብምፍሓስ ሰላም ክልል ትግራይ ንምህዋክ ይሰርሕ ኣሎ" ክብሉ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም::
ዶክተር ደብረፅዮን እዚ ዝበሉ ምስረታ ህወሓት መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ::
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ክህሉ ይግባእ እተዘይኮይኑ ግና ህዝቢ ክልል ትግራይ ተቓሊሱ ዘምፀኦ መሰሉ ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ ኢሎም::
እዚ ክሲ ፌደራል መንግስቲ አይተቐበሎን:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ እምበር ንሰላም ክልል ትግራይ ይዘርግ እዩ ዝተባህለ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ::
ኣብዚ ፍሉይ ፀብፃብ እዚ ሪኢቶታት ነበርቲ ከተማ መቐለ ንብዓል 11 ለካቲት እውን ሂቦም ኣለው።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
"መንግስቲ ፌደራል ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምዃን ውዲት ብምፍሓስ ሰላም ትግራይ ንምህዋክ ይሰርሕ ኣሎ" ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል