ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ለውጢ’ቲ ውድብ ዝተኾረ አኼብኡ አቓኒዑ

መበል 11 ፍሉይ አኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ መራሕቲ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸብሉ ብቐዳምን ሰንበትን ሕዳር 17ን 18,2018 ኣብ አዲስ አበባ ተካይዱ። ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ዓለምን ዝረአ ለውጢ ኣብ ግምት ብምእታው ንአድላይነትን ህጹጽነትን ለውጢ’ቲ ውድብ ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ኣኼባ ምንባሩ ተገሊጹ።

Your browser doesn’t support HTML5

ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ለውጢ’ቲ ውድብ ዝተኾረ አኼብኡ አቓኒዑ

ይኹን ደአ እምበር ቀንዲ አባላት’ቲ ሕብረት ዝኾነ ሃገራት ምሕያል ሓደ ዓለምለኻዊ ውድብ ንልኡላዊነት ሃገራት ዝጥሕስ ከይከውን ዘለውን ስግኣት ኣይሓብኣን ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት አቦ መንበር’ቲ ውድብ ክትከውን ዝተመረጸት ግብጺ ግን ኣብቲ ለውጢ ተገዳስነት ከምዘይብላ ትሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ቁጽሪ አባላት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ሸሞንተ ናብ ሽዱሽተ ምውራዱን ኣብቲ አኼባ ተሓቢሩ።