ዶ/ር ደብፅዮን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ምዝታዮም ሓቢሮም

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምዝታዮም ተዛሪቦም።

ንሶም እቲ ዘተ ዝተኻየደ መስመር ሑመራ ኦምሓጀር ኣብ ዝተኸፍተሉ ንበይኖም ተፈልዮም ብቋንቋ ትግርኛ ምዃኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ዶ/ር ደብረጽየን ምምሕያሽ ርክብ መንግስታት ትግራይን ኤርትራን ነቲ ብደረጃ ሃገር ይካየድ ዘሎ ኩለመዳያዊ ርክብ ዘሓይል እዩ’ውን ኢሎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ኣማስያኦም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ጉዳይ ምኽፋት መስመራት ዶብ ምስ ኤርትራ፤ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበርዎ ዘተን ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምትዕንቓፍ ዝኹንን ሓሳባት ዘልዓልሉ ነይሩ።

ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝገበርዎ ስምምዕን ዘተን ብተወሳኺ ከም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘተ ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ምስ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ክልተ ግዜ ሓፀርቲ ዘተ ከምዘካየዱ ዝገለፁ ኮይኖም ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ምኽፋት ዶብ መስመር ሑመራ ኦምሓጀር ግና ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲዶም ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድና ምዝታዮም ተዛሪቦም።

እቲ ዘተ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንበይኖም ተፈልዮም ብትግርኛ ዝተኻየደ ምንባሩ’ውን ገሊፆም።

ብዛዕባ ምዕፃው ዶብ ዛላምበሳ-ሰርሓ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረብሉን፡ ምስዝኾነ ካልእ ጉዳይ ከምዘይዛመድን ዶክተር ደብረፅዮን ሓቢሮም ኣለው።

“ምዕፃው እቲ መስመር ስርዓት ንምትሓዝ ብምዃኑ ንኹላትና ዝጠቅም እዩ" ኢሎም።

“ህዝቢ ንህዝቢ ዝተጀመረ ርክብ ፅቡቅ እዩ ይኸይድ ኣሎ። ከም መንግስታት ድማ ናይ ክልቴና ምድልላይ ከምዘሎ ኣብቲ ዘተ ተዓዚበ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን “ደጊም ተመሊስና ናብ ኲናት እንኣትወሉ ምኽንያት ኣይክህሉን'ዩ” ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ዝነበረ ቂም ንግደፎ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለና ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ግና ምርድዳእ ወሳኒ ብምዃኑ ዘተ ቐፃሊ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝግበር ኩለመዳይ ርክብ እውን ትግራይ ምስ ኤርትራ ተካይዶ ርክብ ልዑል ሓገዝ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ዝተኻየደ ዘተ ንእግረ መገዲ ዋላ ይኹን'ምበር ንፈለማ እዋን ዝሐሸ ግዜ ረኺቦም ኣብ ቀፃሊ ዝምድናታት ትግራይን ኤርትራን ሓቢርካ ዝዓብየሉን ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝዘተዩ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን ንቐፃሊ ዘተ ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሎም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መግለፂኦም ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘሎ ርክብ ጠሚቱ እውን ተዛሪቦም እዩም። ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ክልቲኣን ክልላት ዘይምርድዳእ ኣሎ እዚ ድማ ብዘተ እዩ ክፍታሕ ዝግበኦ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ዶ/ር ደብፅዮን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ምዝታዮም ሓቢሮም