ዋሽንግተን —
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባሩ ከምዝወሰነ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘሓጎሶም ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ስቴቨን ዱኻርክ ሓቢሮም።
እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ እዋን ዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃብዎ መርብሂ’ዮም ነዚ ተዛሪቦም።
“ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ካብ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ዝተዋህበ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ንምትግባር ዝተዋህበ መግለጺ ተሓጉሶም’ዮም ክብል እኽእል።”
እቶም ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ንቕድሚት ንኽከይድ ድልየት ሕቡራት ሃገራት እውን እዩ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5
ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስ ንምትግባር ዘሕለፎ ውሳነ ከምዘሓጎሶም ገሊጾም