ወታሃደራዊ መራሕነት ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ዘካይድዎ ልዝብ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ምስ መራሕቲ ሲቪላዊ ተቓውሞ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ። እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ነዚ ዘፍለጠ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገርን ብዘጋጠመ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ድሕሪ ምቁሳሎም’ዩ።