ዋሽንግተን —
ኣብ ዋሃን ቻይና ዝጀምረ ኮሮና ቫይረስ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ18 ሃገራት ተራእዩ’ሎ።መንግስታት ነዚ ምስፋሕ’ቲ ቫይረስ ንምግታእ ስጉምቲታት ይወስዳ ኣለዋ። ቻይና ብዘለዋ ተሪር ቁጽጽር ስርዓተ-መንግስቲ ምክንያት ኣብ እዋን ቅልውላው ዝሕልዋ ግሉጽነት ብዝምልከት ዝተሓናፈጸ ጸብጻብ’ዩ ዘሎ: ትማሊ ምስ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ቻይና ዣን ቺንግ ሃገሮም ምስ ዓለምለኸ ውድባትን ማሕበረሰብን ንምስራሕ ቅርብቲ’ያ ኢሎም።
ኣሜሪካ ኸአ ተወሰኽቲ ክኢላታት ጥዕና ናብ ቻይና ክአትውን ንምግታእ’ቲ ቫይረስ ክሕግዙ ቻይና ከተፈቕድ ጸዊዓ’ላ።
ሃገራት ብወገነን ስጉምቲታት ይወስዳ አለዋ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኮሮና ቫይረስ ኣብ18 ሃገራት ምርኣዩ ስዒቡ መንግስታት ዝተፈላለየ ስጉምቲታት ይወስዳ ምህላወን ይገልጻ