ክልል ትግራይ: ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዘት ሓንቲ ሰብ ምምዝጋባ ተገሊጹ

Adi Harush Refugee Camp

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ ብቫይረስኮረና ከምዝተትሓዘት ተገሊፁ::

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል : ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት 16 ዝዕድሚኣ ስደተኛ ብቫይረስ ከምዝተትሓዘት ሓቢሩ::

ኤጀንሲ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን መንግስቲ ኢትዮጵያ መወገኑ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብቫይረስኮርና ዝተትሓዘ ስብ ከምዘሎ ብዝምልከቶ ቤትዕዮ መንግስቲ ፌደራል ብዕሊ ዝተገለፀ ነገር የለን ብምባል እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን እንተኣትዩ ድማ ንምቁፅፃር ንሰርሕ ኣለና ኢሉ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዘት ሓደ ሰብ ምምዝጋቡ ተገሊጹ