ኣብ ክልል ትግራይ ትማሊ ኮረና ቫይረስ ምስ ዝተረኸቦም ኣርባዕተ ሰባት ናይ ቐረባ ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ተፈልዮም ናብ መወሸቢ ማእኸል ክኣትዉ ከምዝተገበረ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ::
ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፁ እዞም ኣርባዕተ ሰባት በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ቅድሚ ምፍላጡ ካብ መወሸቢ ማእኸል እናወፁ ምስ ሰባት ርክብ ከምዝነበሮም ተፈሊጡ::
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ እቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኾቦም ሰባት ዝኾነ ዓይነት ምልክት ዘርኣዩ ኣይኮኑን ኢሎም::
Your browser doesn’t support HTML5
ክልል ትግራይ: ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኽቦም 4 ሰባት ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ናብ መወሸቢ ማእከም ምውሳዶም ተገሊጹ
ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ዝተርኣየ ክፍተት ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላውን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ድማ ጥቡቕ ክትትል ይግበር ኣሎ ኢሎም::
ብዛዕባ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባትን ምስኦም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ኩነታትን ካልኦተ ተተሓሓዚ ጉዳያት ብዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
Your browser doesn’t support HTML5
ክልል ትግራይ: ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኽቦም 4 ሰባት ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ናብ መወሸቢ ማእከም ምውሳዶም ተገሊጹ