ክልል ትግራይ: ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኽቦም 4 ሰባት ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ናብ መወሸቢ ማእከል ምውሳዶም ተገሊጹ

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ

ኣብ ክልል ትግራይ ትማሊ ኮረና ቫይረስ ምስ ዝተረኸቦም ኣርባዕተ ሰባት ናይ ቐረባ ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ተፈልዮም ናብ መወሸቢ ማእኸል ክኣትዉ ከምዝተገበረ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ::

ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፁ እዞም ኣርባዕተ ሰባት በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ቅድሚ ምፍላጡ ካብ መወሸቢ ማእኸል እናወፁ ምስ ሰባት ርክብ ከምዝነበሮም ተፈሊጡ::

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ እቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኾቦም ሰባት ዝኾነ ዓይነት ምልክት ዘርኣዩ ኣይኮኑን ኢሎም::

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ: ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኽቦም 4 ሰባት ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ናብ መወሸቢ ማእከም ምውሳዶም ተገሊጹ

ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ዝተርኣየ ክፍተት ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላውን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ድማ ጥቡቕ ክትትል ይግበር ኣሎ ኢሎም::

ብዛዕባ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባትን ምስኦም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ኩነታትን ካልኦተ ተተሓሓዚ ጉዳያት ብዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ: ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኽቦም 4 ሰባት ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ናብ መወሸቢ ማእከም ምውሳዶም ተገሊጹ