መቐለ —
ክልል ትግራይ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዋስና ወረዳታት ኣብዚ ክራማት ሕፅረት ዝናብ ከምዘጋጠመ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ::
ገለ ሓረስቶት ካብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ ብምኽንያት እቲ ምቁርራፅ ዝናብ ኣብ ምህርቶም ጉዳኣት ክበፅሕ ከምዝኽእል እዩ::
ቢሮ ሕርሻ ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ እቲ ሕፅረት ዝናብ ዝፈጥሮ ፅልዋ ንምንካይ: ዝዘነበ ማይ ናብ ግራት ንክውዕል ሓረስቶት ናይ ምልዕዓል ስርሓት ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፁ::
Your browser doesn’t support HTML5
ክልል ትግራይ ምስ ክልል ዓፋር ዘዋስና ወረዳታት ሕፅረት ዝናብ ምግጣሙ ተገሊጹ