ባህርዳር —
ኣብ ሰሜን ወሎ ወረዳ ቆቦ፡ ኣጋምሳ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ፡ ዕጡቓት ህወሓት ጃምላዊ ጭፍጨፋ ፈጺሞም ክብል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ከሲሱ።
ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጃምላዊ ጭፍጨፋ፡ ብዝተወሃሃደ መልክዕ ንዓለም-ለኸ ማሕበረ ሰብ ንምቕራብ ብሰብ ሞያ ይጽናዕ ኣሎ ኢሉ።
Your browser doesn’t support HTML5
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዕጡቓት ህወሓት ጃምላዊ ጭፍጨፋ ፈጺሞም ክብል ይከስስ
ነዚ ክሲ ዝምልከት ግብረ መልሲ ብህወሓት ዝምራሕንገዛእ ርእሱ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኢሉ ዝጸውዕ ወኪል ኣብ ኣመሪካ እንተረኺብና ክነቅርበልኩም ኢና::