ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 93 ስደተኛታት ካብታ ዝተጻዕኑላ መርከብ ንምውራድ ፍቓደኛታት ከምዘይኾኑ ይገልጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 93 ስደተኛታት ካብታ ዝተጻዕኑላ መርከብ ንምውራድ ፍቓደኛታት ከምዘይኾኑ ይገልጹ

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ናይ ሊብያ ወደባዊት ከተማ ሚስትራ ዝተመልሱ 93 ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዘይደልዩ ብምግላጽ ካብታ ዝተጻዕኑላ መርከብ ንምውራድ ፍቓደኛታት ከምዘይኾኑ ይገልጹ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ተጻዒኖምሉ ዝነበረ ንእሽተይ ጀልባ ዓርቢ ሕዳር 9 ብ’ኒቪን’ ዝተባህለት ናብ ሚስትራ ተምርሕ ዝነበረት መካይን ዝጸዓነት ጀልባ ድሕሪ ምድሓኖም ኣብ ወደባዊት ከተማ ሚስትራ ኣብ ዝበጽሕሉ ካብቶም ስደተኛታት ክልተ ጥራይ ካብታ መርከብ ምውራዶም እቶም ካልኦት ግን ክወርዱን ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ክምለሱ ፍቓደኛታት ከምዘይኮነ ምሕባሮም ተገሊጹ’ሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ መግቢ፡ማይን ክዳውንትን ነቶም ስደተኛታት ሓገዝ ምሃቡ ሓቢሩ’ሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት ዝሃቦ ምላሽ የለን ይኹን ደአ እምበር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዳሕሳስን ሓገዝ ህይወት አድሕን ተካይድ ሓንቲ መርከብ ጥራይ ብምምዳባን ኢጣልያ ወደባታ ንብሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ዝውነና መራኽብ ምዕጻዋ ስዒቡ ስደተኛታት ብናይ ንግዲ መራኽብ ምድሓን ብተደጋጋሚ ይረአ አሎ።

ንሶም’ውን ኣብ መንጎ ምስ ስደተኛታት ዘይደናገጹ መንግስታትን ሕጊ ዓለምለኸ ማያትን ተቐርቒሮም ከምዝርኸቡ ይገልጹ።