ዋሽንግተን —
ሎሚ ቐዳም ሕዳር 13,2022 ኣብ ኡጋዱጉ ርእሰ ከተማ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽንብል ውድድር ፊልም ሶቱጊ 2022 ኣፍሪቃ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ሰዓረ ፍጹም ተዓዋቲ ኮይኑ።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ
ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ሰዓረ ፍጹም ኣብ ውድድር ፊልም ሶቱጊ 2022 ተዓዊቱ
ሰዓረ ኣብቲ ውድድር ክዕወት ዝኸአለ ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ናይቲ ስልማት ዝተረቑሐ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ብድምጺ ህዝቢ ዝተወሰነ ምድብ ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ክዕወት ክኢሉ።
ነዚ ብዝምልከት ቕድሚ ሒደት ሰዓታት ወግዓዊ ጽንብል'ቲ ሽልማት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ስነ ጥበባዊ ሰዓረ ፍጹም ቃለ መጠይቕ ዘካየደ ክኸውን ከሎ ምስኡ ድማ ናይ ክብሪ ዕዱም ደራሲን ጋዜጠኛን ደበሳይ ወልዱ ከምኡ'ውን ሰኣላይ ሽልማት ሶቱጊ ሳምሶም ገብረ እግዚኣብሄር ኣዘራሪብናዮም ኣለና ።