ኣስመራ —
ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ግጭት ዝጠንቁ ህልቂት ናይ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ፡ ኣብ ዘለናዮ ምዕቡል መዋእል፡ ደቂ-ሰባት ክመሃርሩሉ ዘለዎም ኣስካሕካሒ ፍጻመ`ዩ ክብሉ፡ ኣብ ኣስመራ ቪኦኤ ዘዘራረቦ መንእሰያት ተዛሪቦም።
እቶም መንእሰያት ነዚ ዝተዛረቡ ብምኽንያት ኣብዚ ቅንያት`ዚ ዝካየድ ዘሎ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት “ህልቂት ሩዋንዳ ርእይትኦም ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን`ዩ።
ቀቢላታት ቱትስን ሁቱ ድሕሪ`ቲ ዘሕለፍዎ ከቢድ ህልቂት ፡ነቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ንድሕሪት ገዲፎም ምእንቲ ፍቕርን ሰላምን ብሓባር ክነብሩ ምኽኣሎም፡ እቲ ካልእ ህዝቢ ዓለም ክመሃረሉ ዘለዎ ኣብነትዊ ፍጻሜ ከምዝኾነ እቶም መንእሰያት ኣስሚሮሙሉ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኤርትራ-“ህልቂት ሩዋንዳ ደቂ-ሰባት ክማሃሩሉ ዘለዎም ናይ ዘለናዮ መዋእል ኣስካሕካሒ ፍጻሜ`ዩ" ክብሉ መንእሰያት ተዛሪቦም