ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ፈተነ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተገሊጹ

ሰበ ስልጣን ጋቦን ድሕሪ ናይ ሎሚ ሶኑይ ፈተነ ወታሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ንዋና ከተማ እታ ሃገር ሊበርቪል መሊሱ ከምዝተቆጻጸራ ኣፍሊጦም።

ምንቅስቓስ ሓርበኛ ሓይልታት ምክልኻልን ፀጥታን ጋቦን ኢሉ ንርእሱ ናይ ዝፅውዐ መራሒ ሓለቓ ሚእቲ ከሊ ኦንዶ ኦቢያንግ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምእታው’ውን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ገሊፁ’ሎ።

መራሒ ወታሃደራዊ ዕልዋ ዘካየደ ጉጅለ ንመደበራት ራድዮ'ታ ሃገር ኣብ ዝተቆጻጸረሉ እዋን

ኦቢያን ካብቶም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሑ ሓሙሽተ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ዝተኣስረ እዩ።ምስቲ መፈንቅለ ምትእስሳር ዘለዎም ክልተ ወታደራት ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ ብሓይልታት መንግስቲ ምሟቶም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓለ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጉይ-በርትራንድ ማፓንጉ ሓቢሮም ኣለው።መንግስቲ ንኣብያተ ፅሕፈት መንግስታዊ ፈነወታት ራድዮን በቲ መፈንቅለ መንግስቲ ዝተሃሰዩ ካልኦት ክልተ መሓውራት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም እቶም ወሃቢ ቃል ወሲኾም ገሊፆም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ፈተነ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተገሊጹ

እቲ ፈተነ ዕልዋ ዘካየደ ወታሃደራዊ ምንቕስቃስ ሎሚ ንጉሆ ብመንግስቲ ንእትንውነን ሃገራዊ ሬድዮ ጋቦን ብምቁፅፃር “ምምላስ ሃገራዊ ባይቶ” ንምምስራት ድልየት ከምዘለዎም ኣዊጆም ነይሮም።

ናይታ ሃገር ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ካብ ዘጋጠሞም ሕማም ወቕዒ ልቢ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝተኻየደ ፈተነ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኮኒንዎ'ሎ።