ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ናብ 10 ወረዳታት እቲ ክልል ምስፍሕፍሑ ተሓቢሩ::
እቲ ዕስለ ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት የብፅሕ ምህላውን እቲ ዝበፅሐ መጠን ጉድኣት መፅናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ገሊፁ::
እቲ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሕብረተሰብ የብፀሖ ዘሎ ተጽዕኖ ሓረስቶት ንገለ ሓረስቶት ኣዘራሪብና ኣለና: ብተወሳኺ ድማ ብወለንትኦም ኣብ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ዝሳተፉን ንቢሮ ሕርሻን ልምዓትን እቲ ክልልን ኣዘራሪብና ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ ናብ 10 ወረዳታት ምስፍሕፍሑ ተገሊጹ