ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ክልተ ውድባት ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳቶም ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሮም

ኣብ ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምፍፃም ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብተደጋጋሚ ብመንግስታዊ ኣካላት ፀገማት የጋጥመና እዩ ክብሉ ውድባት ዓረና ትግራይን ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይን ሓቢሮም::

ኣቦ መንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓረና ድማ ብቕድሚ ትማሊ ተኣሲሮም ምንባሮ ገሊፆም::

ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣካላት ፀጥታ እቲ ክልል ንኩሉ ብፍትሓውነት ዘገልግል እዩ ኢሎም::

"ብቕድሚ ትማሊ ምንቅስቓስ ኣመራርሓ ዝጠርጠሮም ሰባት ንኣካላት ፀጥታ ጥቆማ ሂቦም ፖሊስ ድማ ናብ መዕረፊ ወሲዱ ዘድሊ ሕቶ ሓቲቱዎም ሽዑ ድማ ኣፋንይዎም" ኢሉ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ክልተ ውድባት ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳቶም ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሮም