ኣብ ክልል ትግራይ ተቋሪጹ ዝጸንሓ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ኣብ ገለ ከባቢታት ምጅማሩ ተገሊጹ

ኣብ መላእ ትግራይ ንመዓልታት ተቋሪጹ ዝቀነየ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ኣብ ገለ ከተማታት ጀሚሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰብኣዊ ኩነታት’ቲ ክልል ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከብ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ምቅራብ ሰብኣዊ ሓገዛት ምምሕያሽ ኣርእዩ እዩ፣ እንተኾነ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ማእከላይ፣ ምብራቅ፣ ደቡባዊን ደቡብ ምብራቅን ትግራይ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ዝተወሰኑ ትካላት ረድኤት ኣብ ግጀትን ሳምረን ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ምዕራብንን ደቡብን ትግራይ ከምዝበጽሑን መብዛሕተኦም ነበርቲ’ተን ከተማታት ከምዝሃደሙን ተሓቢሩ'ሎ።

ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወሲኾም ‘2.5 ሚልዮን ገጠረታይ ትግራይ፣ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሓገዝ ክበጽሖም ከምዘይካኣለ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ አቋሪጹ ዝጸንሓ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ኣብ ገለ ከባቢታት ምጅማሩ ተገሊጹ