ኣብ ካሊፎንያ ዝቕጽል ዘሎ ባርዕ ሓዊ ቁጽሪ ሙታት 44 ምብጽሑ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ካሊፎንያ ዝቕጽል ዘሎ ባርዕ ሓዊ ቁጽሪ ሙታት 44 ምብጽሑ ተገሊጹ

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ባርዕ ሓዊ 44 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ። እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝኸፍአ ምኳኑ ሰበ ስልጣን ይገልጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ካሊፎንያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንኣስታት 50,000 ሄክታር መሬት ዝሸፈነ ምዃኑን ክሳብ ሕጂ 7,600 ኣባይቲ ምዕናዎም መብዛሕትኦም ኣብ ምጥፋእ’ቲ ሓዊ ተዋፊሮም ዘለው እውን ኣብዚ ቦታ ዝነብሩ ምኳኖምን ተሓቢሩ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካሊፎንያ ዝቕጽል ዘሎ ባርዕ ሓዊ 435 ህንጻታት ምዕናው እዚ ድማ ዝኸበረ ህንጻታት’ቲ ከባቢ ዝርከብበሉ ማሊቡ ዝተባህለ ከባቢ ሓዊሱ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖም ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ንኣተሓሕዛን ምሕደራን ዱራት እቲ ክፍለ ግዝኣት ነቒፎም ።

ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ 8,000 አባላት መጥፋእቲ ሓዊ እቲ ክፍለ ግዝኣት ተዋፊሮም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣስታት 2000 ነበርቲ’ቲ ክፍለ ግዝኣት ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ።