ኣመራርሓ ኣርባዕተ ሚንስትራት ምድኽዳኽ ደው ንምባል ይፍጸሙ ዘለው ስርሓት ንምዕዛብ ኣብ ክልተ ወረዳታት ክልል ትግራይ በጺሖም

ሚንስትራት ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ማይ፡ መስኖን ኢነርጂን ከምኡ’ውን ሚንስትር ዲኤታ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ፋይናንስን ትማሊ ድኽዳኸ‘ (ሕጽረት መዓዛታት መግቢ) ንምክልኻል ይፍፀሙ ዘለዉ ስራሓት ንምዕዛብ ንክልተ ወረዳታት ክልል ትግራይ በጺሖም።

ዑደት እቶም ሚንስትራት ‘ድኽዳኸ‘ ንምክልኻል ይፍፀሙ ዘለዉ ስራሓት ጠመተ ዝገበረ ምንባሩ ተገሊጹ’ሎ።

እቶም ኣመራርሓ ስምምዕነት ቃልኪዳን ሶቖጣ ተባሂሉ ዝፍለጥ መፋስስ ተከዘ ኣብ ዘዋስነን ወረዳታት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ህፃናት ፀገም ዝፈጥር ድኽዳኸ ንምንካይ ዝስራሕ ዘሎ ስራሓት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ሚንስትር ትምህርቲ ዶክተር ጥላየ ጌጤ ኣብ ዑደቶም ህዝቢ ዝሓቶም ብዙሓት ሕቶታት ከምዘለዉን እዚ ድማ ብሓባር ክንፈትሖ ይግባእ ኢሎም።

"ኣብ ትግራይ ኣብ ዳስ ዝመሃሩ ቤት ትምህርቲ ክህሉ ትፅቢት ኣይገበርኩን። ብሓቂ ግን ኣብ ዳስ መምሃሪ ክፍሊ ምስ ተመንን ኣናፁን እናተጓየዩ ዝመሃሩ ተማሃሮ ኢና ረኺብና። ኣብዚ ተማሃሮም ብቑዓት ዜጋታት ኮይኖም ክወፁ ትፅቢት ምግባር ኣፀጋሚ እዩ። ንሕና ድሕሪ እዚ ዑደት ብፅሒትና ክንፍፅም ኢና። ብዋናነት ግና ህዝቢ ኣተሓሳስባ ቀይሩ በዓል ዋና ኮይኑ ክሰርሖ ኣብ ምግባር ናይ ክልል ስራሕ እዩ" ኢሎም።

ምክትል ርእሰ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም ዘለዉ ፀገማት ተሓባቢርና ክንፈትሖም ይግባእ ኢሎም።እቲ ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራል ግደኦም ከበርክቱ ድማ ፀዊዖም። ስምምዕነት ቃለኪዳን ሰቆጣ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ክልላት ብሓባር ዝፍፅምሉ መርሀ ግብሪ እዮም ኢሎም።

"ዑደት ዝገበርክምዎ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክትዕዘብዎ እዩ። ቅድም ኢሉ ዶክተር ጥላየ እንትዛረቡ ከምዚ ዓይነት ቤት ትምህርቲ ኣይተፀበኹን ኢሎም ብርግፅ ብዙሕ ነገራት ይበሃል እዩ። ብዙሕ ለውጥታትን ዕብየትን ኣሎ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብዝተፈለየ ተረቢሖም ስለዝበሃል እቲ ዝረኸብኩምዎ ዘይግመት ክኸውን ይኽእል" ኢሎም።

ኣብ 2020 ዓ.ም ፀገም ድኽዳኸ ናብ ባዶ ንምውራድ ሸቶ ተቐሚጡ በመርሀግብሪ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ድማ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ሃይለ ኣስፈሃ እዮም።

ሰምምዕነት ቃልኪዳን ሰቖጣ ኣብ መፋስስ ተከዘ ዝፍፀም ኮይኑ ህዝብታት ክልቲኤን ክልላት ዘለዎም ተመሳሳሊ ፀገም ተመሳሳሊ መፍትሒ ንምምፃእ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ኣይተ ሃይለ እዚ ስምምዕነት ብዝግባእ ብምፍፃም ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ረብሓ ብሓባር ምርግጋፅ ይከኣል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዶም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመራርሓ ኣርባዕተ ሚንስትራት ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርኸቡ ንምዕዛብ ኣብ ክልተ ወረዳታት ክልል ትግራይ በጺሖም