ኣመራርሓ ኣርበኞች ግንቦት 7 አዲስ አበባ ኣትዮም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድብ ኣርበኞች ግንቦት 7 አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተወሉ

ናይ ኣርበኞች ግንቦት 7 አባላት ኣመራርሓ ትማሊ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ ካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትሒዙ ክሳብ አዲስ አበባ ስታድየም ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም።

አባላት ኣመራርሓ አርበኞች ግንቦት 7 ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን’ቲ ስታድየም አዲስ አበባ ብናይ ቐደም ባንዴራ ኢትዮጵያ ደሚቑ ከምዝነበረን ብዝሒ ዘለዎ ሰባት ከምዝተረኽቡን ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ኣርበኞች ግንቦት 7 ምንቅስቃስ አቦ መንበር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ አዲስ አበባ አብ ዝኣተውሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነዚ ለውጢ ዝቓወሞ ወገናት ናይ ይቅሬታን ፍቕሪን ጻውዒት ኣቕሪቦም። ዋና ጸሓፊ'ቲ ውድብ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብወገኖም "እቲ ቃልሲ ገና ሕጂ’ዩ ተጀሚሩ" ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመራርሓ ኣርበኞች ግንቦት 7 አዲስ አበባ ኣትዮም