ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከቡ መዓስከራት ይግዕዙ ምህላዎም ተሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከቡ መዓስከራት ይግዕዙ ምህላዎም ተሓቢሩ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ብዘሎ ምስሕሓባት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰሉስ ናብ መሬት ሱዳን ሰጊሩ ብምእታዉ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀም ድሕሪ ምሕባሩ ኣብቲ ከባቢ ዶባት ዝርከቡ መዓስከራት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንትካላት ረድኤት ስዒቦም ናብ መዓስከር ዑም ራኩባ ከምዝገዓዙ ተሓቢሩ።

እቲ ዝዓበየ መዓስከር ሱዳን ዋላ'ኳ ሕፅረት መግብን መጽለሊን እንተሃለዎ ካብቲ ዶብ ራሕቂ ስለዘለዎ ደሕንነቶም ዉሑስ ከምዝገብሮ እቶም ስደተኛታት ይዛረቡ ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰደተኛታት ኣብ ጥቓ ዶባት ኢትዮጵያ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቑቦም ይርከቡ ።ቅድም ክብለ ሓገዛት መግቢን መፅለሊን ክረኽቡ መዓስከር ኡም ራኩባ ክግዕዙ ጎስጓስ እንተተገብረ'ውን ኣፀጋሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ሐጂ ግና እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዶባት ሱዳን እናተፀገዐ ብምምፅኡ ብቅልጡፍ ነቶም ስደተኛታት ምግዓዝ ግድን ኮይኑ እዩ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከቡ መዓስከራት ይግዕዙ ምህላዎም ተሓቢሩ