ኢሳት መንግስቲ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ኮረም የስፍር ኣሎ ንዝበሎ ክልል ትግራይ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ሂቡ’ሎ

መንግስቲ ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ኮረም የሰፍር ኣሎ ክብል ኢሳት ፀብፂቡ። ብጉዳይ መንነት ራያ ምስ ክልል ኣምሓራ ኲናት ንምክያድ እዩ ክብል’ውን እቲ መደበር ቴሌቭዥን ንምንጭታቱ ረቑሑ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ኣቶ ሃይለ ምስጉን እዚ ጉዳይ ሓቂ ኣይኮነን ብምባል ምስ መንነት ተተሓሒዙ ኣብ ከባቢና ብሕጋዊ መንገዲ ዝቐረበ ሕቶ የለን እንሃልዩ’ውን ብሕጊ እምበር ብኲናት ኣይንፈትሖን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢሳት መንግስቲ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ኮረም የስፍር ኣሎ ንዝበሎ ክልል ትግራይ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ሂቡ’ሎ