አባላት ሓድሽ ቤት ምኽሪ ሉኡላዊነት ሱዳን ቃለ መሓላ ፈጺሞም

ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ሱዳን ሓለፍቲ ሓባራዊ ወታሃደራዊን ሲቪላዊን ቤት ምኽሪ ብምዃን ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ነታ ሃገር ከመሓድሩ ሎሚ ረቡዕ ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ብመሰረት መሓውር ዜና ውሽጢ ሃገር ሱና ጀነራል ዓብዱራህማን ኣል ቡህራን ምስ ካልኦት 11 አባላት ቤት ምኽሪ ሉኡላዊነት ቃለ መሓላ ፈጺሞም ኣለው።

ቀ/ሚ እታ ሃገር ክኾኑ ዝተረቑሑ ዓብደላ ሓምዶክ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቕትሪ ቃለ መሓላ ከካይዱ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

አባላት ሓድሽ ቤት ምኽሪ ሉኡላዊነት ሱዳን ቃለ መሓላ ፈጺሞም

ጀነራል ቡህራን ነታ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፕረዚደንት ኣል በሽር ብዕልዋ ካብ መዝነቶም ምስ ተባረሩ ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሓ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ክመርሑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እዚ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝጠልቡ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መራሕቲን ዝተበጽሓ ስምምዕ ዝተመዘዘ'ዩ።

ወታሃደራዊ መሪሕነት ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዘጋጠመ ግጭት ካብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክገጥሞ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ሱዳን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ጀነራል ቡርሃን ነቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ን21 ኣዋርሕ ክመርሑ ካብኡ ድማ ሲቪላዊ መሪሕነት ን18 ክመርሕ'ዩ።