ንኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘራኽቡ መስመራት ከይተዓጸወ ዝጸንሓ መስመር ቡሬ ዓሰብ ምዕጻው ተገሊጹ

ካብቶም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ ከይተዓፀወ ተሪፉ ዝነበረ መስመር ቡሬ- ዓሰብ ሎሚ መዓልቲ ከምተዓጸወ ተገሊጹ።

እቲ መንገዲ ንተሽከርከርቲ ዝተኸልከለ ኮይኑ ብእግሪ ግና ዶብ ምስጋር ይከኣል እዩ።

እቲ መስመር ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ከምተዓፀወ ምምሕዳር ወረዳ ኤል ዳዓር ክልል ዓፋር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ኤሊ ዳዓር ክልል ዓፋር ኣይተ ዓብደላ ሱሌ ዶብ ቡሬ- ዓሰብ ሎሚ ንጉሆ ከምዝተዓፅወ ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ካብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም እዚ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ከይተዓፀወ ዝፀንሐ ዶብ ቡሬ-ዓሰብ ሎሚ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዓፀወ ሓቢሮም።

ኣመራርሓ እቲ ከባቢ እቲ መስመር ንምንታይ ተዓፅዩ ዝብል ኣብ ሓለዋ ንዝርከቡ ኣካላት ፀጥታ ኤርትራ ከምዝሓተትዎም ዝተዛረቡ ኣይተ ዓብደላ " ነቲ መስመር ክዕፅዉ ካብ ላዕለዎት ሓላፍቲ ከምዝተነገሮም" እዮም ምላሽ ተዋሂቡ ክብሉ ገሊፆም። ንሶም ብተወሳኺ መካይን ብኽልትኡ ወገን ደው ኢለን ኣለዋ ገሊአን ድማ ተመሊሰን እየን ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ መስመር ካብ ዝኽፈት ጀሚሩ ውሱን ንግዳዊ ልውውጥን ሓያል ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ምንባሩ ኣይተ ዓብደላ ሓቢሮም። ብእግሮም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ግና ክኣትዉን ክወፅኡን ተፈቒዱ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሎም ተኸፊቶም ዝነበሩ መስመራት ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዓፅዮም ኣለው።

ፈለማ ዝተዓፀወ መስመር ዛላንበሳ ሰርሓ፡ ቀፂሉ ድማ መስመር ራማ ዓዲ ዃላ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ መስመር ዶብ ሑመራ-ኦምሓጀር ምዕጻው ይፍለጥ።

ምክትል ርእሰ ምምሓዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፈላማ መስመር ዛላንበሳ ሰርሓ ኣብ ዝተዓጸወሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ "እቲ መስመር ዝተዓፀወ እቲ ርክብ ሕጋዊ መስመር ንምትሓዝ እዪ ዝብል መልሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ተዋሂቡና" ኢሎም ነይሮም።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምላሽ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ንምርካብ ፈተነ ነካይድ ኣለና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘራኽቡ መስመራት ከይተዓጸወ ዝጸንሓ መስመር ቡሬ ዓሰብ ምዕጻው ተገሊጹ