ናብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ዝነበረ በረራ ሓገዝ ዝጸዓና ነፈርቲ ምቑራጹ ተገሊጹ
Your browser doesn’t support HTML5
ናብ ከተማ መቐለ ይካየድ ዝነበረ በረራ ሓገዝ ካብ ትማሊ ረቡዕ ኣትሒዙ ተቋሪጹ ይርከብ። ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ "ህወሓት፣ ረድኤት ዝጸዓና ነፈርቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ንከይዓርፋ ከልኪሉ" ክብል ይከስስ።
ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ብወገኑ "ነዳዲ ብዘይምህላው ዝተፈጥረ ጸገም እዩ" ኢሉ'ሎ።