ትካል መጥሓን ነጋሽ ኣስመራ ንዓማዊሉ ነጻ ናይ ምጥሓን ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ

ኣብ ቀጽሪ መደበር ትርከብ መጥሓን በርበረን ሽሮን ኣቶ ነጋሽ ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ን 3 ሰሙን ነጻ ኣገልግሎት ምጥሓን ይህብ ኣሎ። ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕማም ንምምካት ብዓቕሞም ነዚ ካብ ኣብኦም ኣቶ ነጋሽ ዝወረስዎ ሰናይ ተግባር ክፍጽሙ ከምዝተደርኹ ኣካያዲ’ቲ ትካል መንእሰይ በረኸት ነጋሽ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ዓማዊል ብወገኖም ነዚ ናይ ነጻ ኣገልግሎት መጥሓን ብካልኦት ክሰዓብ ዝግብኦ ሰናይ ተግበር ክብሉ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ትካል መጥሓን ነጋሽ ንዓማዊሉ ነጻ ናይ ምጥሓን ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ