ብሚንስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ክልል ትግራይ አካይዶም

Your browser doesn’t support HTML5

ብሚንስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዳጊ ንግ ኡልስቲን ዝምራሕ ጉጀለ ልኡኻት ኣብ ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ። እቶም ሚንስተር ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ብሓገዝ መንግስቲ ኖርወይ ዝካየድ ስራሕቲ ልምዓትን ውፅኢቶምን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ጠሚቱ ዘትዮም።