ዋሽንግተን —
ቀይሕ ወርሒ እቲ ዝተረኽበ ሬሳታት ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ብዓርቢ ዝጠሓለት መርከብ ክከውን ከምዝክእል ብምግላጽ ኣብ ገማግም ታጁራ ዝተባህለ ከባቢ ትማሊ ሶኑይ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሓለዋ ባሕሪ ብወገኑ ድሕሪ ብዓርቢ ዘጋጠመ ምጥሓል ስደተኛታት ዝጸዓንት መርከብ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣስታት 100 ስደተኛታት ከምዘለው ይሕብር።
Your browser doesn’t support HTML5
ቀይሕ ወርሒ 17 ሬሳታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ኣፍሊጡ
ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ጋሲም ካብቲ ሓደጋ 14 ስደተኛታት ጥራይ ምድሓኖም ብምግላጽ ብዛዕባ ብዝሒ እቶም ኣብታ መርከብ ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት ኮነ ዜግነት እቶም ዝደሓኑ ግን ብርግጽ ክሕብር ከምዘይፈቕድ ንAFP ሓቢሩ።