ባህርዳር —
ስፖርት ናይ ሰላምን ሓባራውንትን ምሕዝነትን መርኣያ እምበር መሳርሒ ፖለቲካ ኣይኮነን ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ስማኸን አስረስ ገሊጾም።
አቶ ስማከኝ አስረስ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኣምሓራን ትግራይን ዝነበረ ናይ ክልቲኦም ደገፍቲ ባእሲ ኣብ ገለልተኛ ሜዳ ክጻወቱ ጸኒሖም’ዮም።
ሕጂ ግን ድሕሪ ምይይጣት ኣብ ስምምዕ ስለዝተበጽሓ ጋንታ ፋሲል ከነማ ናብ መቐለ ንግጥም ክኸይድ’ዩ። ጋንታ ስሑል ሽረ’ውን ናብ ባህርዳር ክኸይድ’ዩ።
Your browser doesn’t support HTML5
'ስፖርት ናይ ሰላምን ሓባራውንትን ምሕዝነትን መርኣያ እምበር መሳርሒ ፖለቲካ ኣይኮነን' ኣቶ ስማኸን አስረስ