ምህርቲ ስርናይ ኢትዮጵያ ብ70% ክውስኽ ትጽቢት ይግበር

Your browser doesn’t support HTML5

ምህርቲ ስርናይ ኢትዮጵያ ብ70% ክውስኽ ትጽቢት ይግበር

ዋላ'ዃ ኹናት ሓድ ሕድን ኣብ 40 ዓመታት ዘጋጠመ ዝከፍኣ ደርቂ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ምህርቲ ስርናይ ኢትዮጵያ ብ70% ከውስኽ ትጽቢት ተጌርሉ'ሎ። እዚ እታ ሃገር ካብ ጽግዕተኝነት ካብ ወጻኢ ዝኣቱ መግቢ ንምንካይ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ እዩ።

እዚ ወሰኽ ምህርቲ ስርናይ ዝነኣሰ ተስፋ እንተሃበ'ዃ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን ግን ሕጂ'ውን ሓገዝ መግቢ የድልዮም ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራር ድማ ረድኤት መግቢ ናብ ተሓገዝቲ ክበጽሕ አይከኣለን።