መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ኣብ ቀረባ እዋን ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ዝተመዘዙ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፣ ኣብ ትግራይ፣ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ሰላም ንምስፋንን ምምሕዳር ንምህናፅን፣ ህዝቢ እቲ ክልልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ድጋፍ ንክህቡ ፀዊዖም።

ብቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሾሙ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይን ቐፃሊ ትልሞምን አማእኪሎም ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ፣ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰላምን ምርግጋእን ንምምላስ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ዝበልዎም ሓሳባት ገሊፆም።

ዶ/ር ኣብርሃም ኣብ መግለፂኦም ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ጎንፂ፣ ብርክት ዝበለ ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወት ወሪዱ፣ ሞት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምምዝባልን ከቢድ ጉድኣት ስነ-ልቦናን ስነኣእምሮን፣ ዕንወትን ምምንዛዕ ውልቃዊን መንግስታዊ ንብረትን ኣጓኒፎምዎ እዮም ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ"ኣብ ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀሙ መጥቃዕትን፣ ብዕጡቓት ሓይልታት ተፈፂሞም ዝተባህሉ ስጉምትታትን፣ ደም ብዙሓት ንፁሃትን ገዛእ ርእሶም ምክልኻል ዘይኽእሉን ዜጋታት ፈሲሱ፣ ኣካሎም ጎዲሉ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙ፣ ህፃናት፣ መንእሰያትን ዓበይትን ደቂኣንስትዮ ኣሕዋትን ኣደታትን ተደፊረን፣ ብቢልዮን ዝግመት ገንዘብ ዝወፀሎም ትካላት መንግስትን ውልቀ ሰባትን (ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ) ዓንዮምን ተጓሕጊሖምን፣ ተፃዒኖም ተወሲዶም፣ ካልእ ይትረፍ ጠለበጊዕን ከብትን ሓረስቶት፣ ቀለብ ዕለትን ኣቑሑ ገዛን ከይተረፈ ተጓሕጉሑ እዩ ክብሉ ዶክተር ኣብርሃም ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ