መግለጺ ኣምባ.ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልንድ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ

ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ እናገደደ ይመፅእ አሎ ዝበለቶ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰባን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዘይተወሰነ እዋን ንምፅናሕ ክጥዕሞ ወተሃደራዊ ክዳን/ዩኒፎርም / ኢትዮጵያ ተኸዲኖም ኣብ ትግራይ ምህላዎም ዘርኢ ተኣማኒ ሪፖርትታት ከምዝተረኽበን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ ትማሊ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ሓቢረን ።

ኣሜሪካ ኩነታት ትግራይ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰባ ብምግላፅ ደጊማ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዘልዓለቶ ኣብቲ መግለፂኤን ጠቂሰን ። ንሰን ወሲኸን ሰራዊት ኤርትራ 'ውን ካብ ኢትዮጵያ ብዘይ ወዓልሕደር ክወፅእ ትፅውዕ ኢለን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ኣምባ.ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልንድ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ