መግለጺ መራሒ ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ፈደራል መንግስቲን

ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኹናት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራዊት ማሪኽና ክብሉ መራሒ’ቲ ክልል ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም ካብቶም ዝተማረኹ ኤርትራዊያን ይርከብዎም ኢሎም ኣለው።

ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ መግለጺኦም ፈደራል መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ቐረብ ሓይሊ ኤሌትሪክ ከይረኽብ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተኸዘ ብነፋሪት ደብዲቡ ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ንሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ፈደራል መንግስቲ ኸአ ነቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተደብዲቡ ዝብል ክሲ ብምንጻግ እቲ ግድብ ተሃሪሙ እንተዝኸውን ከቢድ ምዕልቕላቅ መጋጠመ ኔሩ ክብል ምላሽ ሂቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ መራሒ ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ፈደራል መንግስቲን