መዓልቲ ፍልሰተኛታት ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ተኸቢሩ

ፍልሰት ብዝግባእ እንተተመሪሑ ፍልሰተኛታት ንዝጽንበርዎም ማሕበረሰባት በረኸት ደአ እምበር መርገም ኣይኮኑን ክብሉ ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ፍልሰት ሰባት ደልዮም ዝመረጽዎ እምበር ዘይተርፍ ዕጫኦም ክኸውን ከምዘይብሉ ትካሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራይ ኣስታት 300,000 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ምምላሶም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

መዓልቲ ፍልሰተኛታት ሎሚ ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ኣብ ዝተኸብረሉ ዳይሬክተር ጨንፈር ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ሞሪን አቺን ንመልእኽቲ’ቲ ሓላፊ ብምድጋም መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መዓልቲ ፍልሰተኛታት ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ተኸቢሩ