መንግስቲ ክልል ትግራይ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ክልል ክወጹ ኣጠንቂቑ

ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ብህጹፅ ክወፁን ናብቲ ክልል ተወሳኺ ሓይሊ ንምእታው ዝግብርዎ ምንቅስቃስ ድማ ጠጠው ክብል ይግባእ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ።

መንግስቲ’ቲ ክልል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እዚ እንተዘይኮይኑ አድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ንዝፍጠር ሰብኣዊን ንዋታውን ክሳራ ድማ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ክልል ትግራይ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ክልል ክወጹ ኣጠንቂቑ