መቐለ: ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ጸቕጢ ሕብረተሰብን መንግስቲን ከምዘለወን ገሊጸን

ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ካብ ሕብረተሰብ ይኾን መንግስታዊ ኣካል ጸቕጢ ከምዝበፅሐን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስራሕ ዝተዋፈራ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበን ደቂ ኣንስትዮ ገሊጸን።

ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ኣደባባይ ሓውዜን ዝረኸብክዋ ኣብ ስራሕ ምፅራግ ጫማ (ሊስቶሮ) ዝተዋፈረት 19 ዝዕድሚኣ ንግስቲ ሙሉጌታ እያ። ኣብዚ ስራሕ ካብ ትጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይንዋ ኣሎ። ቅድሚ ሐዚ ዝተፈላለዩ ኣትክትልን ፍራምረ ኣብ ጎደናታት እናተዛወረት ብምሻጥ ስድርኣ ትሕግዝ ምንባራ ትገልጽ። እቲ ስራሕ ግና ዘይሕጋዊ እዩ ስለዝባሃል ብኣኽበርቲ ሕጊ ምክልባት ይበፀሓ ምንባሩ ትገልፅ።

Your browser doesn’t support HTML5

መቐለ: ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ጸቕጢ ሕብረተሰብን መንግስቲን ከምዘለወን ገሊጸን

ንግስቲ ብፍላይ ከም ጓል ኣንስተይቲ እቲ ከይዲ ኣፀጋሚ ነይሩ ትብል። እቲ ንግዲ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ንምእታው ተባሂሉ ቦታ ዝወሃብ ዋላ እንተኾነ ምቹእ ኣይኮነን ኢላ።

በዚ ድማ እቲ ኣትክልትን ፍራምረን ምሻጥ ገዲፋ ናብ ስራሕቲ ምፅራግ ጫማ ኣትያ። ሐዚ ኣብ ስራሕ ሊስትሮ ካብ ትረኽቦ ኣታዊ ኣብ ኮሌጅ ትመሃር ኣላ። ብቐፃሊ ናብ ንግዲ ክትኣቱ ትልሚ ከምዘለዋ ድማ ትዛረብ ።

ካልእ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረት ዘዘራረብኩዋ ጓል ኣነስተይቲ ኣልማዝ ኻልኣዩ ትባሃል ስድርኣ ኣብ ስራሕ ምክፍፋል ቡን ዝተዋፈሩ እዮም። ካብዚ ብምብጋስ ምስ ሓፍታ ብምዃን ቡን ብዘመናዊ መንገዲ ኣፍሊሕኻ ምሻጥ ጀሚራ። እዚ ስራሕ ንምጅማር ፈለማ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን "ኣይትኽእልኦ ክኽብደክን እዩ ዝብል ሓሳባት ይመፅእና ነይሩ" ትብል።

ትካል ኣልማዝ "ኤላዝ ኮፊ" ዝብል ስያመ ዝሓዘ እዩ ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 18 ስራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ኣብቲ ትካል ተፈጢሩሎም ኣሎ ትብል።

ኣልማዝ ብጂኦሌጂ ቐዳማይ ድግሪ ተማሂራ በቲ ሞያ እውን ሓደ ዓመት ሰሪሓ እያ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ካልኣይ ድግሪ ትምህርታ ኣብ ምዝዛም ከምትርከብ ተዛሪባ። እቲ ንግዲ ንምስፋሕ ትልሚ ኣለና ዝበለት ኣልማዝ "ኣብ ቀረባ እዋን ሓዱሽ ጨንፈር መሸጢ ቡን ንምኽፋት ተዳሊና ኣለና" ትብል።

ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ንመበል 108 ግዜ ተዘኪሩ ውዒሉ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ንመበል 43 ግዜ ተዘኪሩ እዩ። ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዶክተር የትምወርቅ ገብረመስቀል ናይ ሎሚዘበን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንትኽበር ሰላምን ሓድነት ህዝቢ ጠመተ ብምግባር ክኸውን ኣለዎ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መቐለ: ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ጸቕጢ ሕብረተሰብን መንግስቲን ከምዘለወን ገሊጸን