መቐለ —
ኣብ ከተማ መቐለ ሬፈራል ሆስፒታል ዓይደር 22 ተሓከምቲ ብሰንኪ ስእነት ኦክስጅን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ህይወቶም ሓሊፉ ክብሉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሰ ገሊፆም::
እቲ ሆስፒታል ብምኽንያት ሕፅረት ኦክስጅን ስራሕቲ እቲ ሆስፒታል ምትዕንቃፉ'ውን ሓቢሩ::
ሜዲካል ዳይሬክተር ሬፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ዘሎ ክፍተት ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት መዓልታት ንምስትኽኻል ይስራሕ ኣሎ ኢሎም::
Your browser doesn’t support HTML5
መቐለ: ኣብ ዓይደር ሆስፒታል ብሰንኪ ሕጽረት ኦክስጂን 22 ተሓከምቲ ምሟቶም ተሓቢሩ